ጸሎት ናይ ፍቕሪ ስራሕ።

ጸሎት ናይ ፍቕሪ ስራሕ።

ጸሎት ናይ ፍቕሪ ስራሕ።

“ኦ ጐይታ ኣነ እፈትወካ እየ።…ንዓናን ንምሉእ ዓለምን ራሕራልና….”

(እዚ ጸሎትዚ ብ28 .10.2005
ብፍቓድ ሞንሲኞር ኣንጀሎ ማስከሮኒ ንኪሕተም ተፈቕደ።)

ኦ ጐይታ፣ ንስኻ ነቲ ዝጠፍአ ወድኻ ስለ እትፈትዎ፣ ንሱ ተጣዒሱ ናባኻ ኪምለስ ከሎ፣
ንስካ ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ኢኻ እትቕበሎ። ምእንትዚ ነዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕን ነዚ ኣብ
ኣምላኻዊ ምሕረትካን ዘሎና እምነት ክትቅበለልና፣ ብዓብይ ተስፋ ንልምነካ ኣሎኹ። እዚ
ኸኣ ረብሓ ቤተክርስቲያንና ረብሓ ዓለምን ንኪኸውን ልመናይ እቕርበልካ ኣሎኹ።”

ንሕና ንእግዚኣብሔር ነፍቅሮ፤ ምእንቲ ምሉእ ደቂ ኣዳም ከኣ ምሕረት ንለምን!

እዚ ጸሎትዚ፣ ሓጺር ይኹን ድኣ እምበር ናይ ፍቕሪ ስራሕ ጸሎት ስለ ዝኾነ፣ ብባህርዩ ናይ ካሕሣ ጸሎት ኢዩ ዝጽዋዕ። ንሕና ሰብኡትን ኣንስትን ኣብዚ ዘመን’ዚ ብህጹጽ እዚ ጸሎትዚ የድልየና ኢዩ። ከምኡ’ውን እዚ ጸሎትዚ ምእንቲ ጥቕሚ ቤተክርስቲያን ምእንቲ ጥቕሚ ዓለምን ኢልና መዓልቲ መጸ ክንደግሞ ይግባእ።

እንተኾነ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ጸሎት ክንብል ከሎና እንታይ ንምባል ኢዩ? እዚ ጸሎትዚ ናበይ ኢዩ ዝመርሓና? እንታይ ከም ንረክብ ኢዩ
ዝገብረና? እዚ ጸሎት’ዚ ንሓደ ሕይወት ዝህብ ኦም ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ነቲ ዚደግም ሰብ ፍቕሪ የዕብየሉ፤ ንኹላትና ከኣ ምስቲ ትንሣኤ
ነፍስወከፍና ዝኾነ ኢየሱስ ኢዩ ዘወሃህደና። እዚ ጸሎት’ዚ ነቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገብረልና መለኮታዊ ግልጸት ዚትንክፍን
ዝኸፍትን መፍትሒ ኢዩ። እዚ መለኮታዊ ግልጸት’ዚ ወዲ ሰብ ከምቲ ኣምላኽ ዜፍቅሮ፣ ንሱ ከኣ ብወገኑ ንኣምላኽ ከፍቅሮ ከም ዘለዎ
ዚሓትት ኢዩ። ከምኡ’ውን እግዚኣብሔር ነቲ ኩሉ ቁጽሪ ዘይብሉ ንዓለም ዜድልዮ ነገር ርእዩ፣ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ደቂ ሰብ ምሕረት
ንኼውርድ ኢዩ ዝሓትት።
ጸሎት፣ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ወይ ንዕኡ ዚመስል ጸሎት ምድጋም ማለት ንኣምላኽ፣ “ሓዲሽ መዝሙር” ምዕራግ ማለት ኢዩ። (ዮዲት 16:13)
ንኣብነት፣ “ኦ ጐይታ፣ ኣነ ኣፍቅረካ ኣየ! ንደቅኻ ራሕርሓሎም፣ ኣብ ልዕሊ ምሉእ ዓለም ጥዑም ሽታ ይቕረታን ምሕረትን ንኽረኽቡ
ንሕዝብኻ ራሕርሓሎም፣ ንዓይን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ሕዝብኻን ንምሉእ ዓለምን ራሕርሓሎም።”
እዚ ካብ ፍቕሪ ዚለዓል ኣውያት ኣብ ቤተክርስቲያን ምእንቲ ኣማላድነት ኩሉ ሰብ ንኽውዕል ይረድኣና ኢዩ። በዚ ካብ ፍቅሪ ዝለዓል
ኣውያት’ዚ፣ እግዚኣብሔር ንነፍስወከፍ መቖምያ ድኅነት ዓለም ኢዩ ዝገብረና፤ ከምኡ’ውን ምእንቲ ጽቡቕ ዕድል ደቂ ሰብ ኢልና ነቒሕና ከም
ንጽሊ ኢዩ ዝገብረና።
“ኦ ኣምላኸይ ኣነ ኣፍቅረካ እየ” ክንብል እንኽእል፣ በቲ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ልብና ዘፍስሰልና ፍቕርን በቲ መንፈስ ቅዱስ ዘህበና
ውህበት ቅኑዕ ሕሊናን እንተተመራሕና ጥራይ ኢዩ። (ሮማ.5:5) ምሕረት እንልምነሉ ምኽንያት ኣብ ፍቕሪ መለኮታዊ ሓቅን ኣብ እዉነተኛ
ኵነታት ዚምልከትን ኪኸውን ይግባእ። እዚ ጸሎት’ዚ ኣብ ሕይወት ኣሕዋትና ዜሳትፍን፣ ኣብቲ ምስ ክርስቶስን ምእንቲ ክርስትስን ኢልና
ኣብ ስቓይ ሰባት ክንሳተፍን ክንበክን ከሎና ኢዩ። ከምኡ’ውን ምእንቲ ሓጢኣቶምን በደሎምን ኢልና ነዚ ኩሉ ከም መስዋዕቲ ንኣምላኽ
ከነቕርቦ ከሎና ምሕረትን ኣምላኽ ኣቦና ንምርካብ ኢዩ። “ኦ ኣምላኸይ ኣነ ኣፍቅረካ እየ፤ ንዓናን ንምሉእ ዓለምን ራሕርሓልና” እናበልና
ክንጽሊ እንከሎና፣ ንኩሉ ሕመረት ሰብኣዊ ተግባርን ሕይወትን ኢና ክንትንክፍ ንርከብ። “ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ” (1.ዮሓ.4:8) “እቲ ኩሉ
ዝገብሮ ከኣ ብፍልጠትን ብፍቕርን ኢዩ ገይርዎ” (ኣኮቴተ ቁርባን ቅዳሴ ላቲን) ክንብል ከሎና ሕይወት ዝሃበና ፍቕሩ ከም ዝኾነን፣ እቲ ኵሉ
ኣብ ስነ-ፍጥረት እነስተማቕሮ ነገራት ከኣ ምንጩ ፍቕሪ ኢዩ። ንሕና ከኣ ነዚ ክቡርን ጽቡቕን ንገር ከም ዝደምቕን ከም ዝእመንን እናገበርን፣
ፍቕሪ ክንገልጸሉ ኢና። ሕይወትና ሕቡእ ኣንተኾነ’ኳ፣ ብግዳም ክረአ ከሎ’ውን ክንድዚ ዚኣክል ዋጋ ዘይብሉ እንተመሰለ፣ ግን ከምዚ
እንተገይርና፣ ሕይወትና ሓቐኛ ዕላማኡ ኪወቅዕ ኢዩ። ካብቲ ዝግመት ንላዕሊ ከኣ ዋጋ ኪህልዋ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ስራሕና፣
ምእንቲ ዓለም ኢልና ናይ ፍቕሪ ተግባር ንኣምላኽ ክነዕርግ ከሎና ሰናይ ኢዩ። (ሉቃ.5:4) ከመይ እቲ ነፍስወከፍ ናይ ፍቕሪ ተግባር
ንኣምላኽ እነቕርቦ ናይ ምሕረት ልመና፣ ንደቂ ሰብ፣ ንዓናን ንብዙሓት ካልኦትን ሓቐኛ ትንሳኤ ኢዩ።
እዚ ናይ ፍቕሪ ኣውያት ምስ ርሕራሔ ክርስቶስ ጸንቢርና ምእንቲ ኣሕዋትና ኢልና ንኣምላኽ ከነዕርጎ ከሎና፣ እግዚኣብሔር ብትሩፋት
ኢየሱስ ኢዩ ዝኸድነና። ንማዕጾ ርሕሩሕ ልቡ ኳሕኵሕና ከኣ ንደቁ ናብኡ ክንመልሶም ንኽእል ኢና። እዚ ጸሎት’ዚ ብርግጽ ሓጺር ኢዩ።
እንተኾነ ንምሉእ ዓለም ኪኸድን ዓቅሚ ኣሎዎ’ዩ። ፍቕርን ትሕትናን ኣምላኽ ከኣ ዚመልእ ኢዩ።
ስክፍታ ሓጢኣትናን፣ ጕድለት ተኣማንነትናን፣ ፍቕርና ንኣምላኽና ንምግላጽ መኸላእታ ኮኸውን ኣይግባእን። እኳ ድኣ “ነዚ ብዙሕ ዜፍቅር
ብዙሕ ክንዲ ዝሕደገሉ(ሉቃ.7:47)፣” ንሕና ከኣ ንሓጢኣትና ብምዝካር ናብ ኣምላኽ ብዝበለጸ ክንምለስ ይግባእ። ደኺምናን ተጸሊኡናን
ኣብ እንርከበሉ ጊዜ፣ ንኣብነት ኣብ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ መጸበዪ ሕዝባዊ ቦታ ኣውቶቡሳት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ብምጽባይ ክንደክም
ከሎና፣ እሞ ነዚ ኵሉ ጸሎት ፍቕሪ ስራሕ ምስ ንደግሞ፣ እዚ ኵሉ ድኻም ዋጋ ኣለዎ። ምእንቲ ፍቕሪ ክንፍጽሞ ከሎና ሰናይ ኢዩ።
ሓድሓድ ጊዜ ትንፋስ ክሳብ ንስእን ስራሕ ኮበዝሓና ከሎ፣ ብስራሕ ተጨኒቕና ከይንተርፍ ንፈርሕ’ኳ እንተኾና ግና፣ ምስ’ዚ ኵሉ ዓቕሊ
ዜጽብብ ስራሕ እንተድኣ ጸሊና፣ በዚ ዚደራረብ ስራሕ ተጸቒጥና ኣይክንተርፍን ኢና። እኳ ድኣ ንዓለም ምንጪ ብርሃን ክነእትወሉ ኢና። ሳላ
እዚ ንእሽቶን ትሑትን ኣውያት ፍቕር’ዚ ናብቲ ሓይሊ ሕይወትና ዝኾነ ኣምላኽ ክንበጽሕ ኢና። ንደቂ ሰብ ከኣ እቲ ምሕረት ዝመልኦ ፍቕሩ
ከነረክቦ ኢና። እግዚኣብሔር ዝፈቱ ከምዚ ዝበለ ጸሎት ኢዩ። ንሱ ነታ ከምዚ ገይራ ትጽሊ ነፍሲ ሕቑፍ ኢዩ ዝበላ። ንሕና’ውን
ብኣማልድነት ድንግል ማርያም ከምኡ ገይርና ንኽንጽሊ ንጽዓር።
ብጸጋ ኣምላኽ ምእንቲ ኩሉን ብስም ኩሉን እናጸለና ዘይጠፍእ መጋርይ ሓዊ ንምዃን ንጽዓር። ኵላትና ሓደ ንሓደ ክንትሓሳሰብ ከም ዘለና
ሓላፍነት ይሰመዓና። በዚ ጊዜ’ዚ ብዙሓት ብዛዕባ ዓለም ይዛረቡን ይካትዑን ኢዮም። ከምኡ’ውን ጥፋኣትን ዕንወትን ይፍጽሙ ኢዮም።
ብኣንጻሩ ኸኣ ምእንቲ ኵሎም ደቂ ኣምላኽ ብጽንዓትን ብፍቕርን ዚጽልዩ ኣብ ክብ ዝበለ ቦታ ኢዮም ዝርከቡ። ንሳቶም ዝሰርሑ ምእንቲ
ጥቕሚ ውሉደ ኣዳም ኢዮም። ተግባሮም ተጻይ ሕማቕ ኮኸውን ከሎ፣ ኣብ ምወዳእታ ከኣ ሰዊት ኢዩ። እቶም ኵሎም ነዚ ጸሎት ብእመንአት
ዝደግሙዎ፣ ኣንፃር እቶም ብትዕቢት ተመሊኦም፣ ኣምላኽ ከም ዘየሎ ኮይኖም ዚነብሩ ንገዛእ ኣሕዋቶም ዚጭቁኑን፣ ከምቲ ዳዊት ኣብ
እምነቱ ተረጋጊጹ ምስ ጎሊያድ ዚገበሮ ብስም ኣምላኽ ዚቃወሙ ኢዮም። (1 ሳሙ. 17:45)
ኣብዚ ስቓይ ዝመልኦ ዘመና ንኣምላኽ ምሕረት እናለመንካ ምፍቃር እዚ እቲ ኣውራ ዘሐጕስ ብስራት ኢዩ። እዚ ብስራቲ’ዚ ሓዲሽ ፍቕሪ
ኢዩ ዝህበና፣ የሐድሰና ኢዩ፣ የንጽሓና ኢዩ። ነቶም ኵሎም ንኣምላኽ ከም ገዛእ ፈጣሪኦም ዘይርእይዎ ከኣ፣ ንዓናን ንዅሎምን ካሕሳ ኢዩ
ዚልምነልና። እዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕ፣ ሓዲሽ ውሉድ ትንሳኤ ኢዩ። ምኽንያቱ ፍቕሪ የንጽሕን፣ ንማእለያ ዘይብሉ ሓጢኣት የጥፍእ ኢዩ።(
ጴጥ.4:8) ንሱ ኣውያት ሕዝቢ እግዚኣብሔር ኢዩ። ንሱ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ስበኣዊ ስድራቤት ንምሕረት ዚልምኑ፣ ነቢያትን ኣዕሩኽ
ኣምላኽን እውን ኢዮም። ንሱ እቲ ኣብ ልዕሊ ዓለምን፣ ምእንቲ ዓለምን ኣብ ክርስቶስ ዚበጽሕ መስዋዕትን ካሕሳን ኢዩ። (ዮሓ.17) በዚ
ሎሚ ንሕይወትና ህጹጽ ዝኾነ ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ። ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣብ ነፍስና ሒዝናዮ ክንጓዓዝ እንኽእልን፣ መዓልቲ መጸ
ኪሓንጸና ዚኽእልን፣ ከምቲ ሓደ መክሊት ተቐቢሉ ኣገልጋሊ ዝገበሮ ክሕባእ ዘይግብኦ ክቡር መዝገብ ኢዩ። (ማቴ.25.14-30)
(ሉቃ.19.11-27)
እቲ ምእንቲ ዓለም ኢልና ብተግባር ፍቕሪ እንልምኖ ምሕረት ኣምላኽ፣ ክቡር ሃብቲ ከም ዝኾነ ንኻልኦት እውን ከነፍልጦም ይግባእ።
እታ፣ “ኣብ ውሽጢ ልባ” ንቓልን ንተግባርን ድሕነት ትዓቑር ዝነበረት ድንግል ማርያም፣ (ሉቃ.2.19-51) ንሕና’ውን ፍቕሪ ኣብ
ምዝርጋሕን በተግባር ብምንባሩን እሙናት ኮይናን ከም እንርከብ ይግበረና።
ለቡ
በዚ ናይ ካሕሳ ጸሎት’ዚ፣ ማሕበር ከሓስቲ ነፍሳት ይምስረት ኣሎ። ኵሉ ሰብ ኣብኡ ኣባል ኮይኑ ኪሳተፍ ይኽእል ኢዩ። እዚ ማሕበርዚ
ንክምስረት ብሓደ ወገን ፍቓድ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ነዚ ጊዜና ብህጹጽ የድልዮ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ኣባል እዚ ማሕበር
ኪኸውን ዚደሊ ኵሉ፣ ኣብዙ ዚኽተል ኣድራሻ ይወከስ።

ዕላማ ተግባር ፍቕሪ ንምፍላጥ ዝደሊ፣ ነዙ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ይወከስ።
(መስለ ደራሲ ዝተሓለወ ኢዩ።)
መደብ ዕላም – ከሓሥቲ ነፍሳት

e-mail :   preghiamoperilmondo@yahoo.it   suorlina@preghiamoperilmondo.org
web site www.preghiamoperilmondo.org

Any kind of reproduction for commercialization is forbidden.